ካልኦት ተኣምራት

ረሱሉላህ ﷺ ካብ ዓረብ እቶም ዝጸፈዩ ተዛረብቲ ምዃኖም፤ ዑመር «ካብ መንጎና ከይወጻእካ ከለኻ ከመይ ጌርካ ካባና ዝጸፈኻ… »

ሓፈሻዊ ምደባ: ዳዒፍ (ድኹም)ኩቱብ ኣል-ሲታ: ዘይተኻተተ
ጸገም ሓብር

እቲ ጸብጻብ

ረሱሉላህ ﷺ ካብ ዓረብ እቶም ዝጸፈዩ ተዛረብቲ ምዃኖም፤ ዑመር «ካብ መንጎና ከይወጻእካ ከለኻ ከመይ ጌርካ ካባና ዝጸፈኻ ተዛራባይ ኮይንካ?» ንዝብል ሕቶኡ «ቋንቋ ኢስማዒል ተረሲዑ ነይሩ፤ ጂብሪል ንዕኡ ኣምጺኡለይ፣ ኣነ ድማ ብልቢ ሒዘዮ» ምባሎም።

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ

ቀጻሊ

ካብዚ ክፋል ተወሳኺ

ካልኦት ተኣምራት

ረሱሉላህ ﷺ «ኣነ ዘይትርእይዎ እርኢ፣ ዘይትሰምዕዎ እሰምዕ፤ ሰማይ ኣእውያ፣ ኣብ ምእዋያ እውን ሓቃ እያ፦ ኣርባዕተ ኣጻብዕቲ… »

ረሱሉላህ ﷺ «ኣነ ዘይትርእይዎ እርኢ፣ ዘይትሰምዕዎ እሰምዕ፤ ሰማይ ኣእውያ፣ ኣብ ምእዋያ እውን ሓቃ እያ፦ ኣርባዕተ ኣጻብዕቲ ዝኣክል ቦታ የለን ሓደ መልኣኽ ሱጁድ ዘይገብረሉ» ምባሎም።

ሓሰን (ጽቡቕ)

ካልኦት ተኣምራት

ሰብዓን ሓደን መጻሕፍቲ ዘንበበ ወህብ ኢብን ሙነቢህ ኣብ ኩሎም፣ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳብ መወዳእታኣ ንኹሎም ሰባት ዝተዋህበ…

ሰብዓን ሓደን መጻሕፍቲ ዘንበበ ወህብ ኢብን ሙነቢህ ኣብ ኩሎም፣ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳብ መወዳእታኣ ንኹሎም ሰባት ዝተዋህበ ኣእምሮ ኣብ ጥቓ ኣእምሮ ረሱሉላህ ﷺ ከም ሓንቲ ፍረ ሑጻ ኣብ ውሽጢ ሑጻታት ዓለም ከም ዝተርፍን ንሶም ብኣእምሮ ካብ ሰባት እቶም ዝበለጹ ከም ዝነበሩን ምርካቡ።

ዳዒፍ (ድኹም)